Benutzerspezifische Werkzeuge

Information zum Seitenaufbau und Sprungmarken fuer Screenreader-Benutzer: Ganz oben links auf jeder Seite befindet sich das Logo der JLU, verlinkt mit der Startseite. Neben dem Logo kann sich rechts daneben das Bannerbild anschließen. Rechts daneben kann sich ein weiteres Bild/Schriftzug befinden. Es folgt die Suche. Unterhalb dieser oberen Leiste schliesst sich die Hauptnavigation an. Unterhalb der Hauptnavigation befindet sich der Inhaltsbereich. Die Feinnavigation findet sich - sofern vorhanden - in der linken Spalte. In der rechten Spalte finden Sie ueblicherweise Kontaktdaten. Als Abschluss der Seite findet sich die Brotkrumennavigation und im Fussbereich Links zu Barrierefreiheit, Impressum, Hilfe und das Login fuer Redakteure. Barrierefreiheit JLU - Logo, Link zur Startseite der JLU-Gießen Direkt zur Navigation vertikale linke Navigationsleiste vor Sie sind hier Direkt zum Inhalt vor rechter Kolumne mit zusaetzlichen Informationen vor Suche vor Fußbereich mit Impressum


Artikelaktionen

ትግርኛ

ምስፋሕ ዝርግሐ- ብዙሕነት ባህላዊ ትምህርቲ ኣብ ጊሰን ዩኒቨርሲቲ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ትምህርቲ ኣብ ጊሰን ዩኒቨርሲቲ ኣብ ዝግበር ኣስተምህሮን ብነጻ ክሳተፉ ዕዱማት ኢዮም። ኣብ መደብ ተዓዛቢ ጋሻ ንምስታፍ ምምዝጋብ የድሊ። ብርግጽ እዚ ብቀጥታ ኣብ`ቲ ስሩዕ ትምህርቲ ንኽትቅጽል ኣየኽእለካን እዩ፡ ግና ምስ ኣቃውማ ናይ`ዚ ዩኒቨርሲቲ ንምልላይ/ንምፍላጥ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ `ምስፋሕ ዝርግሐ` ዝብል ፕሮጀክት ከም ተዓዛቢ ጋሻ ንምስታፍ ደገፍ ይህብን ኣብ ዓውዲ ስነ-ሕብረተሰብ (ሶሾሎጂ) ተግባራዊ ናይ መጽናዕቲ (ሪሰርች) ኣስተምህሮ ይህብን። ዕላማ ናይ`ዚ ፕሮጀክት ናብ`ቶም ኣብ ጊሰን ክመሃሩ ዝደልዩ ግን እቲ ዘድሊ ኩነታት ዘየማልኡ ስደተኛታት ዝቀንዐ እዩ።

ሰዓታት ስራሕ

ኣብ ርእሲ`ቲ ብክፍሊ ስነ-ሕብረተሰብ (ሶሾሎጂ ዲፓርትመንት) ዝወሃብ ትምህርቲ፣ ኣብ ናይ ስራሕ (ናይ ኦፊስ) ሰዓታት ብዛዕባ ኣብ ካልኦት ክፍልታት (ዲፓርትመንትታት) ናይ ጊሰን ዩኒቨርሲቲ ንምስታፍ ዝቐርቡ ሕቶታት መልሲ ክወሃብ እዩ።


ንተውሳኺ ሓበሬታ (መወከሲ ቴለፎንን ኢመይልን)

ንተወሳኺ ሕቶታትን ምዝገባን፡ እዚ ዝስዕብ ኢመይል ወይ ቴለፎን ተጠቀም፡

0641/9923302


ኣስተምህሮኣዊ ኮርስ

ኣብ ክረምቲ (ሳመር)2016 (ካብ ሚያዝያ 2016 ዝጅምር) ከምኡውን ኣብ ሓጋይ (ዊንተር) 2016/2017 ኣብ ዘሎ ወቕቲ (ናይ ስራሕ ግዜያት/ሰሚስተራት) ዝወሃብ ንብዙሕነት ባህሊ ዝምልከት ልምምድን ትምህርትን ክትሳተፉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ንኣሽቱ ጉጅለታት ብምምቕቓል ኣብ ጊሰን ንብዙሕነት ባህል ዝምልከት ዘሎ ዕድላት ክንዘራረበሉን ክንሰርሕን ኢና። ንሜላታት መጽናዕቲን ስነ-ሓሳብን ስነ-ማሕበረሰብ (ሶሾሎጂ) ዝምልከት ጽሑፋት ድሕሪ ምንባብን ምምይያጥን፣ ኣብ ዝተፈላለየ ኣርእስታት ፕሮጀክትታት ኣዳሊና ክንሰርሕ ኢና።

እቲ ኣስተምህሮኣዊ ኮርስ ሰኑይ 11 ሚያዝያ 2016 ካብ ሰዓት 4-6 ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር እዩ።


ግዜን ቦታን

ሰኑይ 4-6 ድሕሪ ቀትሪ

ጎደና ካርል ግሎክነር ቁ 21 ( Karl-Glöckner-Str. 21)

E 207


ክፍሊት

ብነጻ


ቅድመ-ኩነት

 እቲ ንብዙሕነት ባህሊ ዝምልከት ልምምድን ትምህርትን ብእንግሊዝኛ ስለዝወሃብ፣ መባእታ ፍልጠት እንግሊዝኛ ኣድላዩ እዩ። ብዘይካ እዚ፣ ካልእ ዝሕተት ቅድመ-ኩነት የለን


ምስክር ተሳታፍነት

ኣብ መወዳእታ ናይ`ቲ ኮርስ ናይ ተሳታፍነት ምስክር ክወሃብ ይክኣል እዩ።